ስእላዊ መግለጺ ፣ ውጥረት፣ ቅዛነት ፣ ጭንቐት : PTSD
Bildspel: Stress, nedstämdhet, ångest, PTSD - tigrinskaኣብዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ንክስመዓካ ዝገብሩ ዝተፈላለየ መንገድታት ተገሊጾም ኣለዉ ። ምናልባት ንገለ ካብኣቶም ተለልዮም’ዶ ትኸውን? ሕማቕ ክስምዓካ ማለት ድኹም ኢኻ ማለት ኣይኮነን ዘሕፍር ነገር’ውን የብሉን ። ንዅሉ ሰብ ሓደ ሓደ ጊዜ የጋጥሞ እዩ። እንተ ኣድልዩካ ጽብቕ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ።

ውጥረት
ብዙሕ ሓሳባት ኣለካ’ዶ? ምዕራፍ ትስእን’ዶ ? ብቐሊሉ ’ዶ ትቑጣዕ ? መልሲ እወ አንተኾይኑ ምናልባት ኣብ ውጥረት ክትህሉ ትኽእል ኢኻ ።
ውጥረት ንኣካላትካ ይኣስሮ። ህርመት ልብን እስትንፋስን ከቐልጥፍን ይኽእል ።
ውጥረት ገለ ነገር ኣይክእሎን እየ ኢልካ ክትሻቐል ከለኻ ክመጽእ ይኽእል፡ ንኣብነት ፈተና ኣብ ቤት ትምህርቲ። ውጥረት ኩነታትካ ከመይ ከም ዝክኸውን ክትፈልጥ ብዘይምኽኣልካ ክመጽእ ይኽእል። ምክንያት ናይ ውጥረት ገለ ዘፍርሓካ ነገራት ብምህላው እውን ክኸውን ይኽእል። ምትካኽ ሽጋራ ዝያዳ ክትዋጠር ክገብር ይኽእል ። ምኽንያቱ ከይፈለጥካ’ ውን ክትዋጠር ትኽእል ።
ሓደ ሓደ ጊዜ ክትዋጠር ጽብቕ እዩ፣ ከም ኣብነት ሓደ ነገር ቐልጢፍካ ክትገብሮ ምስ ትደሊ ። ብድሕሪኡ ግን ከተዕርፍን ሓይልኻ ክትመልስን የድልየካ ። ተደጋጋሚ ምውጣር ጉሁይ ክገብረካን ንኣካላትካ ውን ሓደገኛ ክኸውንን ይኽእል ።









ሓበርቲ መገዲ (ሊንክስ)
- Lista med ställen där du kan få hjälp om du mår dåligt. På svenska på UMO.se
- Om du varit med om något jättehemskt - Posttraumatiskt stressyndrom (film), Rädda barnen
- (Rädda barnen, film) إذا تعرضت لأي حدثٍ مُرَوًع - متلازمة ما بعد الصدمة
- (Rädda barnen, film) اگر ترامای شدیدی را تجربه کرده اید – اختلال تشویشی پس از ضایعه روانی
- If you have experienced something traumatic - Posttraumatic Stressyndrom, Rädda Barnen (film)