Ungdomsmottagning
Ungdomsmottagning - tigrinskaብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።
Ungdomsmottagning ክሊኒክ መንእሰያት ኮይኑ ዝተፈላለየ ሓገዝ እትረኽበሉ ቦታ እዩ። ናብዚ ክሊኒክ እዚ ካብ መበል 12-13 ዕድመ ክሳብ 20- 25 ዕድመ ዘሎ ግዜ ክትከይድ ትኽእል። እዚ ካብ ክሊኒክ ናብ ክሊኒክ ይፈላለ እዩ። እዚ ክትረኽቦም ናይ እትኽእል ሓገዛት ኣብነት እዩ፡
- ብዝዕባ ኣካላት ሕቶ እንተሎካ።
- ዝኾነ ሻቕሎት እንተሎካ ወይ ሓዚንካ ወይ ተጨኒቕካ እንተሎኻ።
- ብዛዕባ ስጋዊ ርክብን ዕርክነትን ሕቶ እንተሎካ።
- መከላከሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እንተደሊኻ።
- መከላኸሊ ጥንሲ እንተደሊኺ።
- ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክትምርመር ምስ እትደሊ።
- ናይ ጥንሲ መርመራ ክትገብሪ ምስ እትደልዪ።
ከምኡውን ኣብ መብዛሕትኡ ናይ መንእሰያት ክሊኒካት ኮንዶም ክትረክብ ትኽእል።
ናብ undgdomsmottagning ምኻድ ክንደይ ይኽፈሎ?
ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ነጻ ኣገልግሎት ትረክብ። ኣብ መብዛሕትአን ክሊኒካት ዋላ’ውን ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾንካ ኣይክፈሎን እዩ። ኣብ ገለ ክሊኒካት ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ vårdcentral ዝኽፈል ዋጋ ትኸፍል።
መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ካልእ መድሃኒት ብሓኪም ምስ ዝእዘዘካ፣ ነቲ መድሃኒት ክትወስዶ ከለኻ ኣብ ፋርማሲ ትኸፍል። ሓደ ሓኪም ዝኣዘዞ መድሃኒት (recept)ሓበሬታ ካብ እቲ ክሊኒክ ናብ ፋርማሲ እዩ።
ኣብ መብዛሕተን ክሊኒክ መንእሰያት መከላከሊ ጥንሲ ብነጻ እዩ፡ ኣብ ኵሉ ግን ኣይኮነን።
ናብ Ungdomsmottagning ክኸይድ ምስ ዝደሊ ከመይ ክገብር?
ናብ ዝኾነ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። እቲ ልሙድ ደዊልካ ቆጸራ ብምሓዝ እዩ። መብዛሕተአን ክሊኒካት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ብዘይ ቆጸራ ዝኽየደሉ መዓልቲ ኣለወን። እዚ ድማ drop-in ይበሃል።
ዝኽፈተሉ ሰዓታት
ገለ ungdomsmottagning ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት (ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ) ክፉታት እየን። እተን ዝተረፋ ከኣ ሰሙናዊ ፍሉይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣሎወን።
ናብ መን ክኸይድ ኣለኒ?
ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ይሰርሑ። መወለዳን፣ kurator (ስነ-ኣእምሮኣዊ ከመይ ከም ዝስምዓካ ዘሎ እትነግሮ ሰብ) ኣብ ኩሉ ክሊኒካት ይርከቡ ፣ ዳርጋ ኵሉ ግዜ ድማ ሓደ ሓኪም ኣሎ።
ናብኡ ክትከይድ ከለኻ ነየናይ በዓል ሞያ ክትረክብ ከምዘለካ ምፍላጥ ኣየድልየካን እዩ። ካብቲ መጀመርታ ዘዛራረብካዮ ሰብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።
ናብቲ ክሊኒክ ምኻደይ ዝኮነ ሰብ ክፈልጥ ይኽእል ድዩ?
ኵሎም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። ዝኾነ ኣብኡ ዝሰርሕ ሰብ ንስኻ ኣብቲ ክሊኒክ ከም ዝኸድካን እንታይ ከም ዝተዛረብካን ክነግር ኣይፍቀዶን እዩ።
ኣብዚ ብዝያዳ ብዛዕባ ግዴታ ምስጢር ምዕቃብ ከተንብብ ትኽእል።
ካልኦት ክትከዶም እትኽእል ቦታታት
ናብ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ክትከይድ እንተዘይኪኢልካ ወይ እንተዘይደሊኻ ናብዚ ዝስዕብ ቦታታት ክትከይድ ትኽእል።
- Vårdcentral ።
- ተመሃራይ እንተኾንካ ናብ skolsköterska ወይ skolkurator ።
- ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንተለኻ ከኣ ናብ studenthälsan ።
- መከላኸሊ ጥንሲ እንተደሊኺ ኸኣ ናብ barnmorskemottagning (ማእከል መወለዳን) ።