ክብረት
Heder - tigrinskaኣብ ገለ ስድራቤታት ወይ ኣዝማድ ዝኾነ ክፉእ ስም ከይህልዎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ስድራ ወይ እቶም ኣዝማድ ሕጊ ክህሉ ይኽእል፣ ንኣብነት ጓል ክሳዕ ትምርዖ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም የብላን። ስለዚ ምስ ዝኾነ ብዕርክነት ክትህሉ ኣይፍቐደላን፣ ወይ ኣብ ትርፊ ግዚኣ ምስ ኣወዳት ክትሕወስ ኣይፍቐደላን። ንሓደ ሰብ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነጋራት ምቕላዕ ዘይሕጋዊ እዩ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን መሰላት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እውን እዩ።

እዞም ሕግታት ዝበዝሕ ግዜ ንጓል ኣንስተይቲ ጥብቒ ክኾኑ ከለው፣ ንኣወዳት ዝምልከቱ ሕግታት’ውን ኣለዉ።








