ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ ጽግያት ከጋጥም ከሎ ኣብ ኣካላት ዝረኣዩ ነገራት ክትፈልጢ ኢኺ።
ደቂ ኣንስተዮ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት እንቋቍሖ ክኾኑ ዝኽእሉ ዋሃዮታት ይውለዳ። ወርሓዊ ካብታ ቀዳመይቲ ጽግያት ዝጀመርክላ፣ ክሳዕ ብትከተ ጽግያት ሓንቲ ናይ እንቋቍሖ ዋሃዮ ናብ እንቋቍሖ ትምዕብል። እዛ እንቋቍሖ ኣብ ምሕደረ እንቋቍ ትፈሪ።
እንቋቍሖ ንክትምዕብል ከባቢ ክልተ ሰሙን ይወስደላ። ማዕረ ማዕሪኡ ማህጸን ፍርያም እንቋቍሖ ንምቕባል ድልው ይኸውን።
እንቋቍሖ ምስ ማዕበለት ካብ ማሕደረ እንቋቍሖ ተፈንያ ኣብ ሻምብቆ ኣንቋቍሖ ትተሓዝ።
ቅድሚ ጽግያት ዘሎ ሰሙን ገሊኣተን PMS ዝበሃል ነገር የጋጥመን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሓዘን ወይ ቑጥዐ ክስምዓኪ ይኽእል። ሓይሊ ክስምዓኪ ወይ ካሪመለ ዊን ዊን ክብለኪ ይኽእል። ገለ ገለ ብዝያዳ ፈጸጋ ይገብረለን። ቃንዛ ኣጥባት’ውን ክገብረልኪ ይኽእል።
እዛ እንቋቍሖ ብዝኾነ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተ ዘይፈርያ ደም ካብ ማህጸን ብብልዕቲ ኣቢሉ ይወጽእ፣ እዚ እዩ ድማ ጽግያት ዝበሃል።
ልክዕ ጽግያት ኣብ ዝጅምረሉ ግዜ ቃንዛ ከብድን ሕቖን ክገብረልኪ ልሙድ እዩ። ገለ ገለ ብርቱዕ ቃንዛ ይገብረለን፣ ቃንዛ ጽግያት ግን ሓደገኛ ኣይኮነን።
ጽግያት ምስ ወዳእኪ፣ እዚ ኩሉ መስርሕ እንደገና ይጅምር፣ ሓዳሽ እንቋቍሖ ኣብ ማሕደረ እንቋቍሖ ትምዕብል።