ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

ኣነ ተኸንሺበ እየ፣ ብኸመይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል?

Jag är könsstympad, hur kan jag få hjälp? - tigrinska

ሕቶ

ኣነ ተኸንሺበ እየ፣ ብኸመይ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል? ዝተኸንሸበት ኦፐሬሽን ክትገብር ትኽእል እያ ዝብል ዘረባ ሰሚዐ ኣለኹ። ኦፐሬሽን እንተ’ጌረ ወለደይ ክፈልጡ ኣለዎም ድዩ? ጓል፡ 17 ዓመታ።

ምላሽ

ጽብቕ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ሓገዝ ካብ ungdomsmottagning፣  ክፍሊ ክንክን ደቂ ኣንስትዮ ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትረኽቢ ትኽእሊ። ተመሃሪት እንተ ኾንኪ ነርስ  ናይ ቤት ትምህርቲ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ንዓኺ ዝተገረዝኪ ዝርእያ ፍሉያት ክሊኒካት ኣለዋ፣ AMEL-mottagningen ኣብ ስቶኮልም፡ ከምኡ’ውን Vulvamottagningen ኣብ Angered። ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይዚ ሃገር ከምትነብሪ ብዘየገድስ ናብኡ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ሓገዝ ኣካላትን ስነ ኣእምሮኣዊ ስምዒታትን ክትረኽቢ ድማ ትኽእሊ።

ልክዕ ኣለኺ፡ እንተ ኣድልዩን እንተደሊኽን ኦፐሬሽን ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ኦፐሬሽን ንቓንዛ ዝገብር በሰላ ክኣልዮ ወይ ምሻንን ጽግያትን ምእንቲ ክቐልል ንብልዕቲ ክኸፍቶ ይኽእል። ኦፐሬሽን ጾታዊ ርክብ ምግባር ወይ ምድሳት ትጽገሚ እንተ ኾንኪ’ውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ሓገዝ ክትረኽቢ ከለኺ ዝያዳ ሓበሬታ ይወሃበኪ።

እንተ ዘይደሊኺ ምስ ወለድኺ ምዝርራብ ኣይድልየክን እዩ። ንሶም ከይፈለጡ ሓገዝ ክትረኽብን ኦፐሬሽን ክትገብርን ትኽእሊ ኢኺ።

እንተ ኣድልዩኪ ኵሉ ግዜ ናይ ኣስተርጓማይ ሓገዝ ክግበረልኪ ይኽእሊ እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

Artikel

ስእላዊ መግለጺ: ምኽንሻብ ርሕሚ – ግዝረት

ምኽንሻብ ርሕሚ ግዝረት ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ማለት ገለ ሰብ ንክፋል ርሕሚ ሃስዩ ወይ ቖሪጺ ኣልጊሱ ማለት እዩ። ድሕሪ ምኽንሻብ ጸገም ምስ ዝህልወኪ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ጽቡቕ ሓገዝ ኣሎ። መጠንቐቕታ: ተነቀፍቲ ስእልታት!

Artikel

ብልዕቲ

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክፋላትን ኣሰራርሓን ናይ ብልዕቲ ከተንብቢ ትኽእሊ። ብልዕቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ኣካላት እዩ። ብኡኡ ክትሸኒ፣ ጽግያት ክመጸኪ፣ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ፣ ቈልዓ ክትወልዲ,፣ ጽብቕ ንክስምዓክን ክገብር ይኽእል።

Artikel

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ግብረ-ስጋ

ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ: ንግብረስጋ ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።

To the top of the page