ግብረ-ስጋ
መከላኸሊ ጥንሲ
Bildspel: Skydd mot graviditet - tigrinskaጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።
እቶም ዝበዝሑ መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሆርሞን ትሕዝቶ ኣለዎም። እዚ ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ቐመም ኮይኑ ከም ምፍናው እንቓቕሖን ጽግያትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ክጸሉ ይኽእል። ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ዘለዉ ሆርሞናት ንኸይትጠንሲ ይገብሩ።
ኮንዶም፣ femidom፣ ጥቕላል ነሓሲን ሆርሞን ዘይብሎም መከላኸሊ ጥንሲ እዮም። ኮንዶምን፣ femidom ን ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እውን ይከላኸሉ እዮም። ካልኦት መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣይከላኸሉን እዮም።
ስእሊ 1

ኮንዶም
ኮንዶም ካብ ኣዝዩ ረቒቕ ጎማ እዩ ዝስራሕ። ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ተኾይንካ ኣብ መትሎ ትገብሮ። ሽዑ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣይኣቱን። ኮንዶም ክሳዕ ምውዳእ ጾታዊ ርክብ ብግብእ ክጸንሕ ኣገዳሲ እዩ። ኮንዶም ኣብ ፋርማስታት፣ ኪዮስክታት ኣብ ናይ መግቢ ድኳውንቲን ብመንገዲ ኢንተርነትን ክግዛእ ይከኣል።
ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

RFSU: መከላኸሊ ጥንሲ ይሕብር
እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ
Video: //play.mediaflowpro.com/ovp/16/52CE4O0A7V
እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ
ፊልም: ከምዚ ጌርካ ንሓደ ኮንዶም ተእትዎ
Video: //play.mediaflowpro.com/ovp/16/85BB43OMW1