ስእላዊ መግለጺ: ኣየናይ ’ዩ እቲ ቅቡል ዚበሃል ጾታዊ-ርክባት?
Bildspel: Vad är okej sex? - tigrinskaገለ እዋናት፡ ኣየናይ ጾታዊ-ርክባት ቅቡል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ኣጻጋሚ እዩ። ኣብዚ ስዒቡ ዚቐርብ፤ ኣየናይ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክትርኢ ኢኻ።
"ኣነ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ናተይ ክፍሊ እትኸይድ ጓል፡ ብናይ ኣእምሮይ ፈንጠዚያ እናሓሰብኩ፡ ጾታዊ ርክብ እገብር ’የ። እቲከምኡ ምግባረይከ፡ ቅቡል ነገር ድዩ?”
”ኣነ፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ናተይ ክፍሊ እትኸይድ ጓል፡ ብናይ ኣእምሮይ ፈንጠዚያ እናሓሰብኩ፡ ጾታዊ ርክብ እገብር ’የ። እቲከምኡ ምግባረይከ፡ ቅቡል ነገር ድዩ?”
ብሓሳብካ ከምኡ ምግባር ቀጽሎ!ብዛዕባ ካልኦት ሰብ ብፈንጠዝያኻ ምሕሳብ፤ ክልኩል ኣይኰነን።ንዓኻ ጥራይ ጽቡቕ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፤ ብዛዕባ ድላይካ ናይ ሓሳብ ፈንጠዚያ ክህልወካ ይኽእል ’ዩ።
"ንሳ ጓል 14 ዓመት ’ያ፡ ግን ካብኡ ትዓቢ ’ያ ትመስል። ኣነ ደጋጊመ ናታ ጾታዊ ስእልታት ክትሰደለይ ለሚነያ ኣሎኹ። ሕራይ ድማ ክትብለኒ ተስፋ ጌረ ኣሎኹ።"
"ንሳ ጓል 14 ዓመት ’ያ፡ ግን ካብኡ ትዓቢ ’ያ ትመስል። ኣነ ደጋጊመ ናታ ጾታዊ ስእልታት ክትሰደለይ ለሚነያ ኣሎኹ። ሕራይ ድማ ክትብለኒ ተስፋ ጌረ ኣሎኹ።"
ንሓንቲ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል፤ ናታ ጾታዊ ስእሊታት ክትልእከልካ ምፍታን፤ እዚ ዘይሕጋዊ ነገር ’ዩ። ንሳ እንተ ደኣ ልኢኻትልካ ገበን ኣይፈጸመትን። ከምኡ ንኽትገብር ንስኻ እንተደኣ ደፋፊእካያ ኣስዲዕካያ ግን፡ ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ።
“ሓንቲ ትዓብየኒ ጓል ኣብ ቤት ትምህርቲ፤ ንገለ እዋናት ምሳይ ንኽትጋበር ሕሹዅ ኢላትኒ። ሓቂ ዘረባ፡ ኣነ ኣይደሉኹን ’የ ኔረ፤ እንተዀነ ግን ንሓንቲ ጓል ሕራይ ዘይምባል ድማ ኣሰኪፉኒ።”
“ሓንቲ ትዓብየኒ ጓል ኣብ ቤት ትምህርቲ፤ ንገለ እዋናት ምሳይ ንኽትጋበር ሕሹዅ ኢላትኒ። ሓቂ ዘረባ፡ ኣነ ኣይደሉኹን ’የ ኔረ፤ እንተዀነ ግን ንሓንቲ ጓል ሕራይ ዘይምባል ድማ ኣሰኪፉኒ።”
ዘይትደሊ እንትደኣ ዄንካ፡ ኣይደልን ’የ ክትብል ኣሎካ። ኣይደልን ’የ ምባል ዘሰክፍ ነገር ኣይኰነን። ወዲ ስለ ዝዀንካ ጥራይ፤ ንጾታዊ ርክባት ሕራይ ምባል ኣየድልየካን ’ዩ።ንሳ ንዓኻ ክትደፋፍኣካ ኣይነበራን፡ ጌጋ ’ያ ጌራ። ደፋፊኣ ክተስደዕካ ምፍታና፡ ንሳ ጌጋ ጌራ እያ። እዚ ከም ጾታዊ-ዓመጽ ክቑጸር ይኽእል ’ዩ፤ ከምኡ እንተ ዀይኑ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ።
”ንሳ ከማይ ጓል 18 ዓመት ’ያ። ንገለ እዋናት ብ”ስካይፕ” (Skype) ጌርና ተዛሪብናን ተዃሺምናን ኣሎና። ጎልፎኺ (ክዳንኪ) ኣውጽእዮ ምስ በልኩዋ ግን፤ ብቕጽበት ’ያ ክተቋርጾ ትደሊ።”
”ንሳ ከማይ ጓል 18 ዓመት ’ያ። ንገለ እዋናት ብ”ስካይፕ” (Skype) ጌርና ተዛሪብናን ተዃሺምናን ኣሎና። ጎልፎኺ (ክዳንኪ) ኣውጽእዮ ምስ በልኩዋ ግን፤ ብቕጽበት ’ያ ክተቋርጾ ትደሊ።”
ንስኻ ሓቲትካያ፡ ንሳ ድማ እምቢ ኢላትካ። ነቲ ንሳ እምቢ ምባላ፡ ክተኽብሮ ይግብኣካ ’ዩ።ሕሰብ እሞ፡ ሓደ ካልእ ሰብ ንዓኻ ዘይትደልዮ ነገር ንኽትገብር ደጋጊሙ እንተ ዝሓተካ፡ ከመይ ምተሰምዓካ? ንሰብ ክትጭቕጭቖ ቅቡል ኣይኰነን።
”ንሱ ኣይደልን ኢሉ ኔሩ፤ ብውሽጡ ግን ክገብር ይደሊ ’ዩ ኔሩ። ስለዚ ክትጋበር ምቕጻል ጥራይ ’ዩ?”
”ንሱ ኣይደልን ኢሉ ኔሩ፤ ብውሽጡ ግን ክገብር ይደሊ ’ዩ ኔሩ። ስለዚ ክትጋበር ምቕጻል ጥራይ ’ዩ?”
ንሱ ኣይደልን ’የ እንተ ደኣ ኢሉ፤ ንስኺ ነቲ ናቱ ምእባይ ክተክብርዮ ’ዩ ዝግበኣኪ። ኣየድልን ’የ ምባል፡ ኩሉ እዋን ኣይደልን ’የ ማለት ’ዩ።ንስኻትኩም ክትጋበሩ እትኽእሉ፤ ክልቴኹም እንተ ተሰማሚዕኩም ጥራይ እዩ። ሓደ ካባኻትኩም፤ ከቋርጽ ’የ ምስ ዚብል፤ ክተቋርጽዎ ይግባእ። እምቢ እናበለካ፡ ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምግባር፤ ገበን ምፍጻም እዩ።
ኣነን ኣፍቓሪተይን ንደራረዝ ኔርና። ኣነ ክዳንና ከነውጽእ ደልየ። ጎልፍኣ ከተውጽኣላ ከለኻ ቅቡል ድዩ ኔይሩ?
ኣነን ኣፍቓሪተይን ንደራረዝ ኔርና። ኣነ ክዳንና ከነውጽእ ደልየ። ጎልፍኣ ከተውጽኣላ ከለኻ ቅቡል ድዩ ኔይሩ?
ድልየት ክልቴኹም እንተድኣ ኮይኑ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንሳ ትደልን ዘይትደልን ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮይንካ ሓቲትካ ከተረጋግጽ ኣለካ። ሓደ ቕኑዕ መገዲ፡ ክትቕጽል ትደሊ እንተ ዄይና ምሕታት እዩ። ምስ ሓደ ድልየቱ ዘየርኣየ ወይ ዘይገለጸ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘይሕጋዊ እዩ።
”ኣነን ሓደ ዓርከይን፡ ኣብ ሓደ ናይ ሙዚቃ ፈስቲፋል ተኻፊልና ኔርና። ሽዑ ድማ እቲ ዓርከይ፡ ናብ ሓንቲ ጓል ቀሪቡ ኣብ ጡባ ሒዝዋ። ኣዝዩ ዘሕፍር ’ዩ ኔሩ። እታ ጓል ናብ ፖሊስ ክድውል ’የ ኢላ ፈኪራ ኔራ። እዚ ዓርከይ ዝፈጸሞ ነገር፤ ከም ገበን ኰይኑዶ ይቝጸር?”
”ኣነን ሓደ ዓርከይን፡ ኣብ ሓደ ናይ ሙዚቃ ፈስቲፋል ተኻፊልና ኔርና። ሽዑ ድማ እቲ ዓርከይ፡ ናብ ሓንቲ ጓል ቀሪቡ ኣብ ጡባ ሒዝዋ። ኣዝዩ ዘሕፍር ’ዩ ኔሩ። እታ ጓል ናብ ፖሊስ ክድውል ’የ ኢላ ፈኪራ ኔራ። እዚ ዓርከይ ዝፈጸሞ ነገር፤ ከም ገበን ኰይኑዶ ይቝጸር?”
ንናይ ካልእ ሰብ ኣካላት፤ እቲ ሰብ ከም ዘይቅቡልን ዘዋርድን ጌሩ ዝቖጽሮ ጌርካ ክትሕዝ፤ እዚ ገበን ምፍጻም እዩ።እቲ ከምኡ ዝበለ ገበን ዝፈጸመ ሰብ፤ ንማእሰርቲ ይፍረዶ ’ዩ። ንስኻ ነቲ ከምኡ ዝገበረ ዓርክኻ፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ጌጋን ዘይሕጋውን ምዃኑ፤ ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ።
”ኣነ ጾታዊ ርክብ ናይ ዚገብሩ ሰባት ፊልም ክርኢ ባህ ይብለኒ ’ዩ። ከምኡ ክገብር ይፍቀደለይ ’ዶ ይኸውን?”
”ኣነ ጾታዊ ርክብ ናይ ዚገብሩ ሰባት ፊልም ክርኢ ባህ ይብለኒ ’ዩ። ከምኡ ክገብር ይፍቀደለይ ’ዶ ይኸውን?”
ፖርኖግራፍያ ምርኣይ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን። ከምኡ ምርኣይ ትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ ውን ጽቡቕ ዚስመዓካ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ምርኣይ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ። ይኹንእምበር፡ ብዛዕባ ናይ ሓደ ትሕቲ 18 ዕድመ ዘሎዎ ቆልዓ ጾታዊ ፊልም ክህልወካ ወይ ክትዝርግሕ ግን፤ ብሕጊ ኣይፍቀድን እዩ።
"ሓንቲ መሓዛ ናይ ሓብተይ፤ኣልኮላዊ መስተ እንተ ደኣ ገዚአላ፤ ንሳ ድማ ኣብ ክንድኡ ንኽተግብረኒ ተሰማሚዓ ኣላ።"
"ሓንቲ መሓዛ ናይ ሓብተይ፤ኣልኮላዊ መስተ እንተ ደኣ ገዚአላ፤ ንሳ ድማ ኣብ ክንድኡ ንኽተግብረኒ ተሰማሚዓ ኣላ።"
ንኽትገብር ኢልካ ገንዘብ ምኽፋል ኣይፍቀድን እዩ። ኣልኮላዊ መስተ ገዚእካ ምሃብ፡ ከም ገንዘብ ምኽፋል’ዩ ዚቝጸር። ኣብ ርእሲኡ ’ውን፡ ንሓደ ትሕቲ 20 ዝዓመቱ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ምግዛእ፤ ገበን ምፍጻም እዩ። ስለዚ ድማ፡ መታን ንሳ ክተግብረካ ኢልካ ኣልኮላዊ መስተ ገዚእካ ምሃብ፤ ከም ድርብ ገበን ’ዩ ዚቝጸር።
ኣነ ንገለ ኣዋልድ ናይ ቤትትምህርትና፡ ስእሊ ናይ ሓደ ”ሽልሖ” ሰዲደለን። ኣነ ንጸወታ ኢለ ’የ ሰዲደዮ። እተን ኣጓላት ግን፡ ኣዝየን ’የን ተቘጢዐናኒ። እዚ ገበን ከም ዝፈጸምኩ ’ዩ ዚቝጸር ውን ኢለናኒ። እንታይ ’ሞ ኣሎዎ ’ዚ፤ እንተ ደኣ ጸሊአንኦ፤ ዘይ ምድምሳሱ ጥራይ ’ዩ ዘድሊ?
እቲ ሰብ፡ ኣቐዲሙ ስደደለይ ሕራይ እንተ ዘይኢሉካ፤ ከም መዋረዲ ወይ ከም ናይ ጾታዊ ስእሊ ዚቝጸር ነገር ናብ ካልኦት ሰባት ምስዳድ፤ ኣይፍቀድን እዩ። ደጊምካ ከምኡ ኣይትግበር። እቲ ሓቅን እየን።እዚ ገበን ምፍጻም ’ዩ። እተን ኣጓላት ነቲ ስእሊ ኣቐሚጠን፤ ከም ጾታዊ ምትዅታዅ ተቐጺሩ፤ ናብ ፖሊስ ከኸሳኻ ይኽእላ እየን። እዚ ድማ ከም ገበን ምፍጻም ’ዩ።
"ናይ ስፖርት መምህረይ ድሕሪ ትምህርቲ ንኽጸንሕ ሓቲታትኒ፡ ብዛዕባ ኣካላተይ ርእይቶ ድሕሪ ምሃባ ሓደ መዓልቲ በይንና ኣብ ገዝኣ ክንራኸብ ምኽኣልና ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ፡ ዳርጋ ከም ሓደ ፍቕራዊ ቆጸራ። ዝደሊ እንተ ኾይነ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ ግን እምቢ እንተ ኢለያ ድማ ሕማቕ ነጥቢ ከይትህበኒ ፈሪሐ "
"ናይ ስፖርት መምህረይ ድሕሪ ትምህርቲ ንኽጸንሕ ሓቲታትኒ፡ ብዛዕባ ኣካላተይ ርእይቶ ድሕሪ ምሃባ ሓደ መዓልቲ በይንና ኣብ ገዝኣ ክንራኸብ ምኽኣልና ዝብል ሓሳብ ኣቕሪባ፡ ዳርጋ ከም ሓደ ፍቕራዊ ቆጸራ። ዝደሊ እንተ ኾይነ ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ ግን እምቢ እንተ ኢለያ ድማ ሕማቕ ነጥቢ ከይትህበኒ ፈሪሐ"
ሓንቲ መምህር ምስ ሓደ ተምሃራይ ንፍቕራዊ ቆጸራ ክትዕድም፡ ንጾታዊ ርክብ ሓሳባት ከተቕርብ ወይ ገለ ጾታዊ ነገራት ክትገብር ቅቡል ኣይኮነን። ኣይደልን ስለ ዝበልካ ነጥብኻ ከም ዝጽሎ እንተ ጌይራ፡ ልክዕ ኣይኮነትን ትገብር ዘላ። ዘይትደልዮ ገለ ጾታዊ ነገራት ምሳኻ እንተ ጌይራ፡ ገበን እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገር ንኻልእ ዓቢ ሰብ ንገሮ፣ ምእንቲ ብተደጋጋሚ ግዜ ከየጋጥም።