ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን
ስእላዊ መግለጺ: ንግዲ ደቂ ሰባት
Bildspel: Människohandel - tigrinskaብዛዕባ ንግዲ ደቂ ሰብ እንታይ ምዃኑን ግዳይ ናይዚ ነገር እዚ እንተ ዄንካ ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ዘርኢ ሓደ ስእላዊ መግለጺ እንሆ። ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ምስግጋር ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ። እዚ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ንኸእትዉ ክምዝምዙኺ ከሎዉ እዩ። እዚ ንኣብነት ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ፡ ክትሰርቂ፡ ክትሰርሒ ወይ ዕጸፋርስ ክትሸጢ ከገድዱኺ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስእሊ 1

ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ነገራት ክኸውን ይኽእል እዩ
ኣብዚ ሓደ ኣብነታት ኣሎዉ፡
- ሓደ ሰብ ምእንቲ ገንዘብ፡ ድሮጋ ወይ ኣብ ገለ ትነብርሉ ቦታ ክትረኽቢ ምስ ካልኦት ሰባት ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ የዳሉ።
- ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሃገር ክትጕዓዚ ሓጊዙኪ ኔይሩ፡ ድሕሪኡ ተመሊስኪ ምእንቲ ክትከፍልዮ ጾታዊ ርክብ ክትሸጢ የገድደኪ።
- ሓደ ሰብ ክትሰርሒ፡ ክትሰርቂ ወይ ድሮጋ ክትሸጢ የገድደኪ።
ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰባት እዮም ዝተፈላለዩ ነገራት ዝገብሩ። ንኣብነት ሓደ ስራሕ ዝማባጽዓልኪ ሰብ፡ ሓደ ጕዕዞ ዘዳልወልኪ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ናይ ግድን ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ምስ ካልኦት ሰባት ርክብ ዘዳሉ ካልእ ሰብ።
ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1

ስእሊ 1
